ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት

ትምህርታዊ ንዋት

ንስደተኛታትን ወነንቲ መንበሪ ፍቓድን ዝኸውን ንዋት ሓበሬታ እውን ኣብዚ ክትረኽቡ ኢኹም። እዚ ነቲ ካብ ሶርያ፣ ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ዝመጸ ዝተዓለመሉ ጉጅለ ዝተዳለወ እዩ፣ ከምኡ እውን ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልል እዩ፡

• ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ብዛዕባኡ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉን ዝገልጽ ናይ ኢንተርነት ምስላዊ- ቪድዮ። ኣብዚ ረኣይዎ (ንኡስ ኣርእስቲ ዘለዎ)፡

• ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ምጥቓም ዘደንዝዙ ባእታታትን ዝምልከት ናይ ኢንተርነት ኣሳታፊ ጸወታ (ብቋንቋታት ዓረብ/ትግርኛ/ዳሪ ዝቐርብ)። ኣብቲ ጸወታ፣ ብዛዕባ እዞም ዛዕባታት፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህርያትን ማሕበራዊ ስርዓትን ዝምልከት ኣፍልጦ ኣቓልቦ ይወሃቦ። ነቲ ጸወታ ኣብዚ ርኣዮ/ተጻወቶ።።

ብዛዕባ ንስደተኛታትን ወነንቲ መንበሪ ፍቓድን ዝኸውን ናትና ንዋታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ስለዚ ናብ  ኤልስከ ቫን ፑተን [Elske van Putten] መልእኽቲ ኢ-መይል ስደድ።

ሕክምና

ብዛዕባ ናትና ኣቕርቦት ሕክምና ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ኣብዚ ረአይ፡ ሕክምና – የለኒክ [Jellinek]
ምዝገባ ብኸመይ ከም ዝካየድ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብዚ ረኣይ፡ ንሕክምና ተመዝገብ – የለኒክ [Jellinek]

ኣተርጓሚ ብተሌፎን

ዓሚልካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝ ኣይዛረብን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን ካባና ሕክምና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣተርጓሚ ብቴለፎን ተጠቒምና ንሰርሕ። እዚ ድማ ብመድሕን እዩ ዝኽፈል።

መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ

ኣብ ኮዋ [COA] ኮይንካ ኣብ መስርሕ ዲኻ ዘለኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኮዋ ዘመልከትካዮ ናይ መንበሪ ኩነት ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኽውን መድሕን ኣለካ። ቁጽሪ መድሕንካ ድማ ኣብቲ ናይ ኮዋ ናይ ጥዕና መድሕን ካርድኻ ኣሎ።

ኣስተውዕል፡ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ተዋሂቡካ፣ እቲ ካብ ኮዋ እትረኽቦ መድሕንካ ውዱቕ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ድማ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ክትኣቱው ኣለካ።

ኩሉ ግዜ ናይ ውከሳ መሰነይታ ደብዳቤ የድልይ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ኣፍልጦ ዝተዋህቦም ኣወከስቲ ክኸውን ይኽእል፡

• ሓኪም -ገዛ፣
• ፍሉይ በዓል-ሞያ ሕክምና፣ ሓኪም ናይ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዘጠቓልል፣
• ፍሉይ በዓል-ሞያ ሕክምና ኣረጋውያን፣
• ናይ ስራሕ ሓኪም፣
• ሓኪም ህጹጽ ሓገዝ፣
• ሓኪም ጎደና፣
• መራሒ መስርሕ ክንክን ናይ ግዳማዊ ኣቕራቢ ክንክን

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝነብሩ ሰባት ዝግበር ሕክምና፣ ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ዝከኣል። እቲ ቅበላ ዘካይድ ሰብ ድማ፣ ናይ ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ጉዳይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ይውስን። ከምኡ ምስ ዘይከውን፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን ኢና።

ከምኡ ምስ ዝኸውን ግን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ሕክምና እቲ ኩነታት ገና ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ምዃኑን ዘምዃኑን ከም ብሓድሽ ይግምገም እዩ።

ኣብዚ እውን ኩሉ ግዜ ናይ ውከሳ መሰነይታ ደብዳቤ ኣድላዪ እዩ።

ኣብ ኣምስተርዳም ዲኻ ትነብር? ስለዚ ናብ Kruispost – Oudezijds100 ብምኻድ ንየለኒክ [Jellinek] ዝኸውን ናይ ውከሳ መሰነይታ ደብዳቤ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ናይ ውከሳ መሰነይታ ደብዳቤ ምስ ረኸብካ ድማ፣ ብቁጽሪ ተሌፎን 020-590 4444 ናብ ማእከል ምዝገባ [Centrale Aanmelding] ብምድዋል ቅበላ ንኽግበረልካ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዛ ናይ ሓካይም ዓለም [Dokters van de Wereld] ቪድዮ፣ እንተድኣ ሰነዳት ዘይብልካን መድሕን ዘይብልካን ኮይንካ ብኸመይ ሓገዝ ከም እትረክብ ተገሊጹ ኣሎ፡ How to visit the doctor when you have no medical insurence and papers in The Netherlands? [መድሕን ጥዕናን ሰነዳትን ዘይብልካ ምስ እትኸውን ብኸመይ ናብ ሓኪም ክትከይድ ትኽእል?]

መድሕን ዘይብሉ

መድሕን ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣብ የለኒክ ንሕክምና ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ ኩነት እንተድኣ ዘየለ ኮይኑ፣ መጀመርታ ውዕል መድሕን ክትኣቱው ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ትሕተት። ናይ ቅበላ ዝርርብ ክካየድ ዝኽእል፣ እቲ መድሕን ኣብ ስርዓትና ዝረኣይ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ውዕል መድሕን ድሕሪ ምግባር፣ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እዩ።

ዋላ ናይ ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ሕቶ እውን እንተሃለወ፣ ድሒርካ ውዕል መድሕን ክትኣቱው ክትግደድ ኢኻ።

ብፍጹም ውዕል መድሕን ክትኣቱው እንተድኣ ዘይትደልይ ኮይንካ፣ ነቲ ሕሳብ ባዕልኻ እውን ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ። ኣስተውዕል፤ እቶም ወጻኢታት ብሓቂ ካብ መጠን ንላዕሊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም! ብዛዕባ እዚ ድማ መግለጺ ዋሕስ ክፍሊት ክንክን ክትፍርም ኣለካ። እዚ ኣብ ፋይልካ ክጠቓለል እዩ።

ምሳና ርክብ ግበር

ንሕቶታት ን/ወይ ምኽሪ ብዝምልከት ንዓና ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምርካብና ይከኣል እዩ፡

ቴሌፎን፡ መስመር ምኽሪ የለኒክ [Jellinek Advieslijn]፣ ምስ ኣልኮላዊ መስተ፣ ሓሽሻት፣ ቁማር፣ ጸወታ ጌይም ወይ ወልፊ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ብዛዕባ ገዛእ-ርእሶም ወይ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ሰብ ሕቶታት ንዘለዎም ሰባት ዝዓለመ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክመያየጡ ንዝደልዩ ሰብ-ሞያ እውን ዝዓለመ እዩ። ወይ ድማ ከም ውድብ መጠን፣ ስልጠና ወይ ኮርስ እንተድኣ ኣድልዩካ፣ ወይ ንፖሊሲ ናይቲ ውድብ ብዝምልከት ኣብ ምሕሳብ ክትተሓባበር እንተድኣ ደሊኻ።

ብቁጽሪ ተሌፎን 088 – 505 1220 ናብ መስመር ምኽሪ የለኒክ [Jellinek Advieslijn] ደውል፣ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ሰዓት 8፡30 ክሳብ ሰዓት 17፡00 ንምርካቡ ይከኣል እዩ። ስምካን ሕቶኻን ድማ ትሓድግ። ኣብ መንጎ ሰዓት 13፡00ን ሰዓት 17፡00ን ድማ ተመሊሱ ክድወለካ እዩ። ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን ጥራይ እዩ ዝርከብ።

ኢ-መይል፡ ሕቶኻ ብኢ-መይል እውን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብኢ-መይል ክምለሰልካ እዩ።

ቻትብመንገዲ ቻት ቀጥታዊ ርክብ ዲኻ ትመርጽ? እቲ ቻት ኣብ መዓልታት ስራሕ ካብ ሰዓት 13.00 – 17.00 ክፉት እዩ።